ምዕራፍ 8 ብዛዕባ መርገም (Scourge) ሃገራዊ ኣገልግሎት ይገልጽ። ኣብ ዝማዕበላን ኣብ መስርሕ ዘለዋን ሃገራት ዓለም፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብፍላይ ካብ 18 ክሳብ 20ታት ዕድመ ብዘለዎም ደቂተባዕትዮ ንገለ 2 ዓመት ከገልግሉ ዝብል ወግዓዊ ናይ መንግስቲ ሕጊ ኣለወን ። እዚ ንምክልኻል ሃገር ዝድግፍ ዑቑር ሓይሊ ተባሂሉ ዝግበር ኽኸውን እንከሎ፡ ንፍልይ ዝበሉ ዜጋታት ከም ናይ እምነት ሰባትን ብሕልና ኣብ ረጽሚ ንዘይኣምኑን (conscientious objectors) ድማ ሕድገታት ይገብር። እዚኣቶም ሰባት፡ መሰረት እምነቶም ኣብ ረጽሚ ክሳተፉ ኣየፍቅደሎምን። ስለዚ ድማ ኣብ ጻዊዒት ንሰራዊት ኣይቅበልዎን።
[view whole blog post ]